-->

Friday, August 16, 2013

ገድለ ጴጥሮስ ሓዋርያ!

ገድለ ጴጥሮስ ሓዋርያ

1. ቅዱስ ጴጥሮስ ለይትን ምዓልትን ምእመናን እንዳ ኣስተምሃረ ንእግዚኣብሔር እንዳመስገነ ኣብ ሮምያ ክቕመጥ እንከሎ አሕዛብ ናብ ዘለዎ እናመጹ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይአምኑ ነበሩ። ፅንዓት ሃይማኖቶም ምስ ረአየ ከአ አቡኡን አዲኡን ሰበይቱን ደቁን ዘይኃደገ ነአይ አይበቅዕን እዩ ኢሉ ከስተምህር ከሎ ዝሰምዓ 4 አንስቲ ዝነበረን ሥጋዊ ተግባረን ገዲፈን ምስ ሰዓቦኦ ብኻልእ ነገር ዝፈልጠን ዝነበረ አክርጶስ( ናይታ ሃገር መኮነን) ክምለሳኦ ልኡኻት ሰደደለን (ለአኸለን) እንተኾነ ዕርፊ ኂዙ ንድኅሪት ዝሓርስ የልቦን ዚብል ቃል ወንጌል ኂዘን ንድኅሪት ግልጽ ከይበላ፡ ደድኅሪ እግሪ ጴጥሮስ ስለዝሰጎማ እቲ መኮንን እኩይ ድሌቱ ካብ ምፍጻም ኢዱ አጣቂዑ ተረፈ።

2. ከምኡ እዉን ቃል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝማረኸን ሰበይቲ ዓርኩ ንአክርጶስ(ሰበይቲ አልታብዮስ) ንስብአያ ኅዲጋ ብእምነት ኢየሱስ ናዝራዊ ንጴጥሮስ ሰዓበቶ። ሰብአያ ድማ ሰበይቱ ከምዝጠለመቶ ስለዝሰምዓ፡ ሎምስ ከአ ሰበይቲ ካብ ሰብአያ ዝፈላሊ ሰብ መጺኡና ወይጉድ፡ ሎምስ ከአ ሰበይቲ ካብ ሰብአያ ዝፈልዩ አለዉ ክብሉ ንሰምዕ ኔርና ሕጂ ከአ ናብ ነፍስና በጺሑ እንዳበለ ናብ ገዛእ ሃገር ከይዱ ምስዚ ጴጥሮስ ዝበሃል ክርስቲያናዊ ዳንየኒ፡ እንተድአ ዘዳነኻኒ ግን ባዕለይ ክፈርድ እየ ዝብል ጥርዓን ኣቕረበሉ።

3. አከርጶስ ድማ እዚ ሕማም እዝስ ናብ በይንኻ ጥራይ ዘይኮነ ነዓና እዉን ከይተረፈ ካብ ድሌትትና ፈላልዩና አሎ በሎ፡፡ አልታብዮስ ከአ እንታይ ደአ ትጽበየሉ አሎኻ ኂዝካ ክትቀትሎ እንድዩ ዝግብአካ እዚ ሰብ እዚ እዃ መሠርዩ እዩ። እንተ ደአ ቀልጢፍካ ከምዚ እንብሎ ዘሎና ጌርና እሞ አንስትና ክነምልስ ንክእል ኢና። ድሎትና ክንገብር እዉን ሥልጣን አሎና በሎግን ። እዚ ነገር እዚ ድማ ናብ አክስትያና (ሰብይቲ አቤት ብሃሊ) ስለዝብጽሐ ናብ ቅዱስ ጵጥሮስ ልኢኻ ሎሚምሸት ካብዛ ዓዲ ግዒዝካ እንተዘይ ኅዲርካ ተሓሲቡካ ዘሎ ናብ ጸላኢኻ ይዐል ኢላ ለአኸትሉ።2ቆረ.11፡32

4. ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነገራ ተቐቢሉ መታን ብኽዳኑ ከይፈልጡዎ ነቲ ተኸዲኑዎ ዝነበረ ክዳዉንቲ አዉጺኡ መጠምጠሚኡ ከይተረፈ ለዊጡ ካብቲ ዓዲ ከወጽእ ከሊ ከሎ ጐይታ በቲ ጴጥሮስ ዝፈልጦ መልክዑ ተራእይዎ፡ ናበይ ደአ ትኸይድ አሎኻ? ኢሉ ጴጥሮስ ንጐይታ ስለ ዝተወሶ ጐይታ ክስቀል ንሮምያ ገጸይ እኸይድ አሎኹ በሎ። ጴጥሮስ ከአ ትስቀልኑ ዳግመ እግዚእየ ጐይታይ ካለይዶ ክትስቀል ደሊኻ? በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ጐይታ ኪዓርግ ከሎ ንስኻ ግዳ ሰዓበኒ ኢሉዎ ዝነበረ ትዝ ስለዝበሎ፡ ንሮማ ተመሊሱ እቲ ኩሉ ዝግአጠሞ ነገራት ንፈተውቱ ገለጸሎም። ዮሓ.21፡18-22 ተመል.።

5. እቶም ምእመናን ድማ ክፈለየና ጊዲ እዩ ኢሎም ስለ ዝሠግኡ ንሱ ቃል ሃይማኖት እንዳመሃሮም ምስኦም ክቕመጥ ብዙኅ ለመንዎ። ንሱ ግን ብሕይወት እንተጸንሔ ፍቓዱ እዩ፡ ብሞት እንተወሰደኒ ከአ ምስኡ ንምንባር ስለ ዝኾነስ ደስ እዩ ዝብለኒ በሎም። አብ መንጉኡ አክርጶስ ወታሓደራቱ ልኢኹ፡ ንጴጥሮስ ከምጽእሉ አዘዘ። ምስ አምጽእሉ ድማ እቶም ሰዓብቲ ጵጥሮስ ምንተ እኩየ ገብረ ዝብእሲ እዚ ሰብ እዚ እንታይካ ክፍአት ገበረ? ካብ አፉኽ እንታይ ሕማቕ ቃል ወጸቶ እስኪ ንገረና እንትደአ ዘይነጊርካና ቅድሚ ንስኻ ንጴጥሮስ ምቕታልካ ነዛ ዓዲ እዚአ ብሓዊ ከነንድዳ ኢና፡ እንዳበሉ ንአክርጶስ ዓይኑ ከንቁሩዎ ደለዩ።
6. ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነቶም ሰዓብቱ ትብዓቶምን ፅንዓት ሃይማኖቶምን ርእዩ እዚ ዚስዕብ ቃል ማዕዳን ኣስምዖም። ዝመሃርኩኹም ኮነ እግዚኣብሔር ብኢደይ ዚገበሮ ተኣም ራትን ሕማማት ክርስቶስን ዘክሩ አትረስዑ።ንኩሉ ከከም ግብሩ ንጻድቃን ክኸፍሎም፡ ንኅጥአን ድማ ክፈዲዮም ክመጽእ ከምዝኾነ እመኑ፡ አይትጠራጠሩ በሎም። ብዛዕባ ናይ አከርጳስ ተግባር ድማ አይትገደሱሉ ምኽንያቱ ናይ አቡኡ ሰይጣን ልኡኽ ስለዝኾነ ሥርሑ እዩ ዝፈፀመ። ዮሓ.8:44
በዚ ምኽንያት እዚ ናባይ (አብ ልዕለይ) ክፍጽም ዝተመደበ ዘበለ ነገር ኩሉ ክይተፈጸመ ስለ ዘተርፍ፡ ናብ መስቀል ምድይብ ዝህከዮ ነገር የብለይን እንዳ በለ ረቂቕ ምሥጢር ዝሓዘለ መፈክር እንዳ አስምዓ ነቶም ክሳብ ዕለት ሞቱ ዝሰዕብዎ ዝነበሩ ምእመናን ብናይ ክርስቶስ ኢምነት ፀኒዖም ክነብሩ ክጋደሉን ምዒዱ ክፋነዋም ከሎ ናሁ ዛቲ ሰዓት ተፈጸሜታ ለሕይወትየ።

7. እንሆ እዛ ሰዓት እዚአ ናይ ሕይወተይ መወዳእታኣ እያ እሞ ንክርስቶስ እትፈልጡዎ ዘበልኩም ኹልኹም አዒንትኹም ካብ ኩፉእ ክትመልሱ ሓደራ እብለኩም አሎኹ ኢሉ ገጹ ካብቶም ምእመናን ናብቶም ዓቀይቶት(ወተሓደራት) ምልስ አቢሉ፡ ከምታ ዝተአዘዝኩምዋ ፈጽሙ። አነ ድማ ብምርጫይ( ድሌተይ) ርእደይ ንታሕቲ እግረይ ንላዕሊ ጌርኩም ክትሰቕሉኒ አመልክተልኩም አሎኹ በሎም።2ጴጥ.1፡14

8. ንሳቶም ከአ ከምታ ብድሌቱ ዝተማሕጸኖም ማለት ርእሱ ንታሕቲ እግሩ ንላዕሊ ጌሮም ንቁልቁል ሰቐልዎ። ንፍሱ ከአ ካብ ሥጋኡ ተፈልየት፡ እዚ ስቅለት እዚ ድማ ብስቕለት ምስ ጐይታኡ ከይመዓራረ ኢሉ ዝመረፆ ትሕትና ከም ዝኾነ ዘየጠራጥር እዩ። መዓልቱ ዕረፍቱ አብ ላዕሊ ከምዝተጠቅሰ ሓምሌ 5/61 ዓ.ም. እዩ። ጽሓፈ ኡሉቃስ ስንክሳር 22 ጥቅምቲ ተመልከት።

በረኸት ቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ኩሉና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። አሜን።
..............
"እንሆ እዛ ሰዓት እዚአ ናይ ሕይወተይ መወዳእታ ስለ ዝኾነት፡ አብ መስቀል ምድያብ አይክህከን ኢየ።"ሰላም ለጴጥሮስ ወለ ጰዉሎስ ሱታፍ።
እም ሥራሕ ኩቡድ እለ አዕረፈ።
አልባሰ መንግሥት ሠናየ እንዘ ይትዐፀፍ።
ኅበ ተርኅወ ገነት ወኅበ ዕፍረታት ተነጽፈ።
ቅድመ አሕቲ ወለት ኅቡረ ኃለፍ።
ሰላም ለከ ለጴጥሮስ ተልሚድ።
ዘኢያቅበፀከ ተስፋ ነገር ኑፉቄ ወካሕድ።
እንዘ ትረዉፅ ጥቡዐ ለመልእክተ ክርስቶስ ወልድ።
አመ ለሊከ ወሬዛ ትቀንት በእድ።
ወአመ ልኅመ ልኅቀ አቅነተክ ባዕድ። ዮሓ.21፡18 (ሰንክሳር 5 ሓምሌ ተመልከት)

ድንግል ወላዲትና!

ድንግል ወላዲትና

ድንግል ወላዲትና አብ እምነትና አጽንዕና
በረኸት ክንረክብ አብቲ ሰናይ ጉዕዞና
በማላድነትኪ ተራዳእነትኪ ንልምነኪ አሎና
ቃልኪዳን  ናይ ወድኪ ምሕረት ንዓና(2)

ለውሃት ዝመልአኪ ናይ ሰላም ርግቢት አዴና
ፍቅራዊት መርከብ ሕብስተ ናይ መና
አብ ስደትና ብጽሕና በዓምደ ደመና
ክንፍወስ ብቅድስናኪ ከምቶም  ቅዱሳን አቦታትና (2)

እምነትኪ ጽኑዕ እዩ ሓረግ ናይ ፍቅርኪ
ምስ ወድኺ ሓልዮት ዝመልአኪ
ንዝለመነኪ ብእምነት ደኒኑ አብ ቅድሜኺ
አይትሕፍርዮን ኢኺ አዴና መስተንክር እዪ ስራሕኪ(2)

ንሕናስ ክንጽውዓኪ ምስ ወድኺ ብድኹም ሕልና
ንስኪ ትመጽና ብቅልጡፍ ትረድእና
ስለ ዝኮንኪ ንጽህቲ መስቀል ዝውዕለታ
ሓግዝና ወላዲትና ክንበጽሕ አብቲ ወይኒ ቦታ(2)


ሕጂ`ዉን ድንግል ወላዲትና ጠምቲ  ደንግጺ  ናባና
ምእንታን ክመጹ ኩሎም መላእኽቲ ክረድኡና ንዓና
ድንግል ስለ ዝኮንኪ መሎኮታዊት ናይ ባህሪ አዴና
ምሕረት ናይ ወድኺ እዩ ሰላማዊ መርከብና(2)

ስለዚ ፍቁራት አሕዋተይ አሓተይ ናይ ድንግል ደቃ
ንመለስ ነስተንንትኖ ታአምራት  ናይ ጎይታና ወላዲትና
ብቅጽበት ንመለስ ካብ ናይ ጥፍአት ናይ ደማስ ቦታ
ንፍለጦ እቲ ግዜ ንዉጻእ ካብ ሞት ክንድሕን ብጎይታ(2)

ወስብሓት ለእግዝአቢሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!!!
ዳዊት ኣፈወርቂ
ኦስሎ, ኖርወይ





ትጽዋዕ አለኻ!

ትጽዋዕ አለኻ
እግዚኦ በል አድምጽ ብዓውታ
ብርሃን ክዉልዕ ዘለካዮ ከዉታ
ልብኻ ቅደድ ክሕጎስ ጎይታ
ሓዘንካ ክልወጥ ክኸዉን እልልታ (2)

እስከ ተመልከት አስተዉዕል እዋኑ
ፍቅሪ ዛሕቲሉ ሕዉነት ማህሚኑ
ሓሶት ቀኒዑ ሓቂ ደኒኑ
ሓጥአት በዚሑ ጽድቂ ተሳኢኑ (2)

ጉብዚናኻ ከይሓረረ ጠምት ንድሕረኻ
ተመልከት ንኩሉ አበይ ከም ዘለኻ
ቅንዕና ደአ ሓዝ መንገዲ ፈጣሪኻ
ድሓር ከይትአቱ አብ ዘይድሊ ማሕለኻ (2)

ብገንዘብ ብስልጣን ብፍትወት ብስጋ
ልብኻ አይሰበር አይትኹን ላንጋላንጋ
ብቅጽበት አለልዮ ንዝመጽእ ሓደጋ
ህይወትካ አይተእቱ አብ ዋጋ ዕዳጋ (2)

ወጊድ በሎ ዓደይ ዓድኻ
ደጊም ግደፎ ሩባይ ሩባኻ
ደረት አይተፍርስ ርስቲ አቦታትኻ
መቦቆል ሰረትካ ክርስቶስ አምላኽካ (2)

ጻዕርኻ  ኩሉ ንቱ ከይከዉን
ባዶነትካ ክመልእ ብጥበብ ክስስን
ንአምላኽ  ጸዉዕ ብጾምን ጸሎትን
እንተ ደንጎየ ዉን ከም ቀደምካ ደአኩን (2)

ጉያ ሙሴ ኤልያስ ኩሎም ነብያት
ዕላማ  ኣቦታትካ ዉፍያት ሃዋርያት
ሕድሮም ፍለጦ ተቃለሶ ብጽንዓት
ሓዞ መንገዶም ክህልወካ ትብዓት

ትጽዋዕ ኣለኻ ንመንግስተ ሰማያት (2)

ወስብሃት ለእግዝኣብሔር
        ወለወላዲቱ ድንግል
                                     ወለመስቀሉ ክቡር
                                         ኣሜን!!!
                                    ዳዊት ኣፈወርቂ
                                          ኦስሎ, ኖርወይ

Saturday, July 13, 2013

አቡነ ተክለሃይማኖት!

ታሪኽ ኣቦና ተክለሃይማኖት

ኣብዚ ቀረባ ይፀበዩና!
ክሳብ ብትግርኛ ዝዳሎ ብአምሓርኛ ንምንባብ እዚ  ዝስዕብ ጠውቅ!
ተክለሃይማኖት!

7 ሐምለ፡ዓመታዊ በዓል ቅድስት ሥላሴ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
'ተሰኣሎ ለኣቡከ ይነግረከ ወለሊቃዊንቲከ ይዜንውከ'

ሊቀነብያት ቅዱስ ሙሴ ኣብ መጻሕፍቱ ኣቀሚጥዎ ካብ ዝርከብ ህያው ቃል እዩ።ዘይትፈልጦ ንሊቃውቲ ቤተክስቲያን ምሕታት ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ምንጪ ዘይትፈልጦ ምስጢር ንኽትፈልጥ ዝሕግዘካ ጥበብን መንገዲ ቅድስናን እዩ። ምኽንያቱ ምስጢር ናይእግዚኣብሔር ብዜይካ እቶም ኣምላኽ ዝገለጸሎምን ወይ ውን ካብቶም ኣምላኽዝገለጸሎም ተማሂርካ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ መንገዲ ክብጻሕን ክምርመረን ከምዘይክእል ኩሉ ዝፈልጦ ሐቂ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ናብ ሰብቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል ከምኡ ውን መንፈስ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ነቲ ኣብ ኣምላክ ዘሎ ዝፈልጦ የልቦን  1ይቆሮ 211 ስለዚ እዮም ድማ ኣይሁዳውያን ክርስቶስ ምእንቲ ፍቅሪ ደቂሰባት ክብል ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ንቅዱሳት መጽሕፍቲ ዋላኳ እንተኣንበብዎ ግን ብግቡእ ናብ ሕይወት ተመሪሖም ክበጽሕሉ ዘይከኣሉ፡ክርስቶስ ውን ከምዚ ክብል ዝነቀፎም ንስኻትኩም ሂወት ካብኣተን ትረኽቡ መስሊኩም ለይትን መዓልትን ትምርምርወን ኣለኹም ንሳተንሲ ኩላቶም ብዛዕባይ እየን ዝመስከራ።

ኣቡነ ዘበሰማያት

ኣቡነ ዘበሰማያት

ማቴ 6፡9

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ መንግስትኻ ትምጻእ ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ዝኾነ ከማኡ ኣብ ምድሪ ይኹን።
ናይ ዕለት እንጀራና ሎሚ ሀበና፡ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም እንሓድግ በደልናን ጌጋናን ሕደገልና።
ኦ ጎይታ ካብ ኩሉ ክፋእ ኣድሕነና ናብ ፈተና ኣይትእትወና።
መንግሥትን ሓይልን ክብርን ምስጋናን ንዘለኣለም ናትካ እዩሞ ኣሜን።

ኦ አግዝእትየ ማርያም

ሉቃስ 1፡28-48
ኦ ኣዴና ቕድስት ድንግል ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም ንብለኪ ኣሎና።
ብሓሳብኪ ድንግል ኢኺ ብስጋኺዉን ድንግል ኢኺ።
ኣደ እግዝኣብሔር ጸባዖት ሰላምታ ይግባኣኪ እዩ።
ንስኺ ብፍላይ ካብ ኩለን ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ ፍረ ከርስኺዉን ቡሩኽ እዩ።
ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፡ ደስ ይበልኪ
ካብ ጎይታናን ካብ መድሓኒናን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ይቕረታን ምሕረትን ለምንልና።
ሐጢኣትና ምእንቲ ክስርየልና ንዘለኣለም ኣሜን።

ታሪኽ አቡነ አረጋዊ!

ታሪኽ አቡነ አረጋዊ

                                                            
ጻድቅ አቡነ አረጋዊ ካብ ነገድ ነገስታት ሮሜ ኮይኖም ካብ አቦኦም ይስሓቅ ካብ አዴኦም እድና ዝተባህሉ ጻድቃን ፍርሓት እግዚአብሔር ካብ ዘለዎም ወለዲ ተወልዱ፤ አዲኦም ድማ ዓብደልመሲሕ ኢለን ሰመየኦም ትርጉሙ ገብረክርስቶስ(ገ/አምላኽ) ማለት እዩ፡ ''ካብ ጽቡቅ ጨና ጽቡቅ ስም ይበልጽ'' ንዝብል ቅዱስ ቃል ተርዲኦም ንግብርይ ክርስትና ዝምስክር ስም አዉጻአሉ ''ንቆልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መገዲ አላምዶ እሞ ምስ ዓበየ ካብአ አይከልግስን እዩ፡ '' ከም ዘተባሃለ አቡነ አረጋዊ ድማ ብጥበብን ፍርሃትን አምላኽ ዓበዩ።
ኩሉ ትምህርቲን ሓዲስን ቅዱሳት መጻሓፍቲን ዝተማሃሩ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝጸንዑ ንግሆን መሸትን ንቤተ ክርስቲያን ብምምልላስ ብመንፈስ ዝዓበዩ ብመንፈስ ወለዶም እንተ ኣሕጸይዎም ቃል ኪዳን ክአስሩ አይደለዩን፤ ቅሩብ ጽንሕ ኢሎም ሃገሮም ሓዲጎም ናብ ገዳም አቦ ጳኩሚስ አቦ ገዳማዊያን መጹ፤ አቦ ጳኩሚስ ምስ ረአይዎም ካበይ መጺእካ።ንስኻ ካብ ደቂ ነግስታት ኢኻ ትመስል ተጋድሎ ሙንኩስና ቀሊል`ዶ መሲሉካ። ኢሎም ሓተትዎ እሞ አቦና ብፁእ አረጋዊ ድማ "ናይ ምድሪ መንግስቲ ሓላፊ እዩ፤" ፈትነኒ እሞ ግብረይ ርአ በልዎሞ፤ አባ ጳኩሚስ ድማ ንእግዚአብሔር ክግዛእ እየ ዝብል አቀዲሙ ንፍሱ ንሕማማን ጽዕርን ክዳሎ አለዎ፤ ምኽንያቱ መጽሐፍ ሲርክ 2፤5 "ወርቂ ብሓዊ ከምዝፍተን ጻድቅ ከአ ብሕማማን ጥሜትን ይፍተን" ከም ዝብል፤ ስለዚ ርእስኻ ባዕልኻ ፈትን በለዎም፤ ብኽሉ ስነ ምግባር ምስ ተፈተኑ አባ ጳኩሚስ አልባስ ምንኩስና አብ መበል 14 ዕድሚኦም ከመቲ እግዚአብሔር አስኪማ አንጦንስን መቃርስን ዝባርኹ ናትካ ከአ ይባርኽ ብምባል አስኬማ አልበስዎም ስሞምዉን ካብ ስነ ምግባሮም ዝተበገሰ "አረጋዊ" ኢሎም ሰመይዎም።
ኣቡነ አረጋዊ ዘሚካኤል ተባሂሎም ይጽዉዑ ኔሮም ኢዮም፤ አብ ንእስነቶም ምንኩስንኦም አብ ኩሉ ሃገር ምስተሰምዐ ካብ ቁስጥንጥንያ። ሮም አባ ሊቃኖስ። ካብ ቄሳያ አባ ይምኣታ። ካብ ኣንጾኪያ ሶርያ አባ ጽሕማ። ካብ ቂልቂልያ አባ ጉባ። ካብ እስያ አባ አፍጼ። ካብ ሮምያ አባ ጲንጤሌዎን። ቂሳርያ አባ አሌፍ። ናብ አባ ጳኩሚስን አቡነ አረጋዊን ዘለውዎ ገዳም ምንኩስና ኪቅበሉ መጹ፣ ከመይ ገርኩም ትኪእልዎ እንተበልዎም ካብ ቃል እዚ ህጻን እዚ ዓቢ መምህር ኮይኑና አሎ ብጸሎትካ ዉን ኪንክእሎ ኢና ልክዕ ከመቲ ያዕ.5፡16 ''ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ'' ኢሉ ዝተዛረቦ ንዑኡይ ብምድጋም ኪንክእሎ ኢና ብምባልን ፍቃድ ብምሕታትን አልባስ ምንኩስና ለበሱ ተባረኹ ዜና አብነ አረጋዊ አብ ኩሉ ምስ ተሰምዐ አዲኦም ቅድስት እድና መጸት እሞ አዴኻ መጺአ አላ ክትሪአካ ትደሊ አላ በልዎም ጎይታ ዝበሎ ዶ አሰማዕዎን ኢኹም ማቴ. 12፡48-50 ''አዲኻን አሕዋትካን ይደልዩኻ አለዉ እንተበልዎ በዓል መን እዮም አሕዋተይ መን እያ አደይ ብዘይካ እቲ ፍቓድ እግዚአብሔር ዝገብር እንተዘይ ኮይኑ ክብል ከም ዝመለሰ ኢሎም መለስሎም'' ናይ አዲኦም አመጻጻ ግን፣ 'ስብ ብስጋኡ ረቢሁስ ብነፍሱ እንተ ተጎድአ እንታይ ይጠቅም' ንዝብል ናይ ጎይታ አስተምህሮ አብ ልባ ተሰኪማ አሰር ወዳ ኪትሲዕብ ከምዝመጸት መሊክተና ምስ ነገሮም ከይዶም ረክብዋ አብኡ መንኮሰት። 

Thursday, July 11, 2013

Gitmi ግጥሚ! መን እዩ እቲ ብጹእ!!

       በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ                                       አሜን።
                          መን እዩ እቲ ብጹእ!

Mezmur መዝሙር!






    ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣመነ ሰብ፡ እሞ ዝሓፈረ፣ ወይ ሕይወቱ     ንእግዚአብሔር ዘኽበረ እሞ ዝተሓድገ፣ ወይከኣ              ንእግዚአብሔር ጸዊዑ መልሲ ዝሰኣነዶ፡ ርኢኹም ትፈልጡ፧
           ጥበብ ኢያሱ ወዲ ሲራክ ምዕ ፪ ፡፲

Welcome! እንቛዕ ብሰላም መጻእኩም!



፩ ኣምላኽ ብዝኾኑ ብስም፥ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣመንና እንቛዕ ብሰላም ናብ'ዚ ቅድመ ገጽ መጻእኩም ንብል።

                                          ይትባረክ እግዚአብሔር ኣምላከ አበዊነ።