-->

Saturday, July 13, 2013

ታሪኽ አቡነ አረጋዊ!

ታሪኽ አቡነ አረጋዊ

                                                            
ጻድቅ አቡነ አረጋዊ ካብ ነገድ ነገስታት ሮሜ ኮይኖም ካብ አቦኦም ይስሓቅ ካብ አዴኦም እድና ዝተባህሉ ጻድቃን ፍርሓት እግዚአብሔር ካብ ዘለዎም ወለዲ ተወልዱ፤ አዲኦም ድማ ዓብደልመሲሕ ኢለን ሰመየኦም ትርጉሙ ገብረክርስቶስ(ገ/አምላኽ) ማለት እዩ፡ ''ካብ ጽቡቅ ጨና ጽቡቅ ስም ይበልጽ'' ንዝብል ቅዱስ ቃል ተርዲኦም ንግብርይ ክርስትና ዝምስክር ስም አዉጻአሉ ''ንቆልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መገዲ አላምዶ እሞ ምስ ዓበየ ካብአ አይከልግስን እዩ፡ '' ከም ዘተባሃለ አቡነ አረጋዊ ድማ ብጥበብን ፍርሃትን አምላኽ ዓበዩ።
ኩሉ ትምህርቲን ሓዲስን ቅዱሳት መጻሓፍቲን ዝተማሃሩ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝጸንዑ ንግሆን መሸትን ንቤተ ክርስቲያን ብምምልላስ ብመንፈስ ዝዓበዩ ብመንፈስ ወለዶም እንተ ኣሕጸይዎም ቃል ኪዳን ክአስሩ አይደለዩን፤ ቅሩብ ጽንሕ ኢሎም ሃገሮም ሓዲጎም ናብ ገዳም አቦ ጳኩሚስ አቦ ገዳማዊያን መጹ፤ አቦ ጳኩሚስ ምስ ረአይዎም ካበይ መጺእካ።ንስኻ ካብ ደቂ ነግስታት ኢኻ ትመስል ተጋድሎ ሙንኩስና ቀሊል`ዶ መሲሉካ። ኢሎም ሓተትዎ እሞ አቦና ብፁእ አረጋዊ ድማ "ናይ ምድሪ መንግስቲ ሓላፊ እዩ፤" ፈትነኒ እሞ ግብረይ ርአ በልዎሞ፤ አባ ጳኩሚስ ድማ ንእግዚአብሔር ክግዛእ እየ ዝብል አቀዲሙ ንፍሱ ንሕማማን ጽዕርን ክዳሎ አለዎ፤ ምኽንያቱ መጽሐፍ ሲርክ 2፤5 "ወርቂ ብሓዊ ከምዝፍተን ጻድቅ ከአ ብሕማማን ጥሜትን ይፍተን" ከም ዝብል፤ ስለዚ ርእስኻ ባዕልኻ ፈትን በለዎም፤ ብኽሉ ስነ ምግባር ምስ ተፈተኑ አባ ጳኩሚስ አልባስ ምንኩስና አብ መበል 14 ዕድሚኦም ከመቲ እግዚአብሔር አስኪማ አንጦንስን መቃርስን ዝባርኹ ናትካ ከአ ይባርኽ ብምባል አስኬማ አልበስዎም ስሞምዉን ካብ ስነ ምግባሮም ዝተበገሰ "አረጋዊ" ኢሎም ሰመይዎም።
ኣቡነ አረጋዊ ዘሚካኤል ተባሂሎም ይጽዉዑ ኔሮም ኢዮም፤ አብ ንእስነቶም ምንኩስንኦም አብ ኩሉ ሃገር ምስተሰምዐ ካብ ቁስጥንጥንያ። ሮም አባ ሊቃኖስ። ካብ ቄሳያ አባ ይምኣታ። ካብ ኣንጾኪያ ሶርያ አባ ጽሕማ። ካብ ቂልቂልያ አባ ጉባ። ካብ እስያ አባ አፍጼ። ካብ ሮምያ አባ ጲንጤሌዎን። ቂሳርያ አባ አሌፍ። ናብ አባ ጳኩሚስን አቡነ አረጋዊን ዘለውዎ ገዳም ምንኩስና ኪቅበሉ መጹ፣ ከመይ ገርኩም ትኪእልዎ እንተበልዎም ካብ ቃል እዚ ህጻን እዚ ዓቢ መምህር ኮይኑና አሎ ብጸሎትካ ዉን ኪንክእሎ ኢና ልክዕ ከመቲ ያዕ.5፡16 ''ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ'' ኢሉ ዝተዛረቦ ንዑኡይ ብምድጋም ኪንክእሎ ኢና ብምባልን ፍቃድ ብምሕታትን አልባስ ምንኩስና ለበሱ ተባረኹ ዜና አብነ አረጋዊ አብ ኩሉ ምስ ተሰምዐ አዲኦም ቅድስት እድና መጸት እሞ አዴኻ መጺአ አላ ክትሪአካ ትደሊ አላ በልዎም ጎይታ ዝበሎ ዶ አሰማዕዎን ኢኹም ማቴ. 12፡48-50 ''አዲኻን አሕዋትካን ይደልዩኻ አለዉ እንተበልዎ በዓል መን እዮም አሕዋተይ መን እያ አደይ ብዘይካ እቲ ፍቓድ እግዚአብሔር ዝገብር እንተዘይ ኮይኑ ክብል ከም ዝመለሰ ኢሎም መለስሎም'' ናይ አዲኦም አመጻጻ ግን፣ 'ስብ ብስጋኡ ረቢሁስ ብነፍሱ እንተ ተጎድአ እንታይ ይጠቅም' ንዝብል ናይ ጎይታ አስተምህሮ አብ ልባ ተሰኪማ አሰር ወዳ ኪትሲዕብ ከምዝመጸት መሊክተና ምስ ነገሮም ከይዶም ረክብዋ አብኡ መንኮሰት። 


አቡነ አረጋዊ ብጸምን ብምምሃር ጺኒዖም ግርማ ለይቲን ጸብአ አጋንንቲ ኪአሎም አብ ዝነበርሉ ጊዜ ምስ ክልተ ተማሃሮኦም ቅዱስ ሚካኤል መሪሕዎም ንጉስን ጳጳስን አብ ዘለዉሉ ሃገረ አኽሱም መጹ፣ ኩሉ ስርዓታትን ባህልን ምስ ርአይዎ ቀልጢፎም ንሃገሮም ብምምላስ ንኣሕዋቶም አዘንተወሎም፣ኣሕዋቶም ነዚ ምስ ሰምዑ ተሓጉሶም ንሕና'ዉን ንኺድ ናብዛ ሃገር እዚኣ ብምባል ምስኩሉ ኣቑሑቶምን ታቦቶምን ምስ ካህናትን ንዋየ ቅድሳትን ሕዝብን አቡነ አረጋዊ እናመርሕዎም አብ ዘመነ መንግስቲ አልኣሚዳ ብባሕሪ ኤርትራ ጌሮም ገዳም ደብረ ሲና አቢሎም ሃገረ አኽሱም ብጽሑ፣ እዚአቶም አብ ላእሊ ስሞም ዚጠቀስናዮም 9ቱ ቅዱሳን ሓቢሮም ምሶም መጹ አብ ከጠን ዝበሃል ቦታ ከአ ብጾምን ብጸሎትን ተጸሚዶም ብሓባር ይነብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ዝረገጽዋ ምድሪ ተቀደሰት ድሕሪዚ ንዑ ንፈላለ እምበር ከምዚ ኢልናስ ዓድና ዘለና ኮይኑ ይስመዓና አሎ እናተበሃሃሉ እና በኸዩ እግዚአብሔር ናብ ዝመርሖም ቦታ ከዱ አቡነ አረጋዊ አብ እገል ዝተባህለት ቦታ መጹ አቡነ አረጋዊ ሕሙማት እናፈወሱ ለምጻማት እናንጽሑ አጋንንቲ እና አዉጽኡ ምውታን እና አተንስኡ በዚ ከመዚ ዝተፈላለየ ፈዉሲ ጸጋ እናበርከቱ ድህሪ ምንባር አብ ምስጋግ ዝተባህለ ቦታ ኮይኖም ንደብረ ዳሞ አማዕድዮም ርአይዋ፤ አብ እግሪ እታ ደብሪ በጺሖም ዞርዋ እሞ መደየቢ ሰአኑላ ''እዚኣ እያ ክፍለይ ግና በየን ኪድይብ በሉ፤'' ከምዚ ኢሎም እና ተጨነቁ ከለዉ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ እንታይ እዩ ሽግርካ? በሎም ንሶም ከአ አነ ምእንቲ ኃጢአተይ ናብ አምላኸይ ክልምን ናብ ላዕሊ ክድይብ በልዎ እሞ ቅዱስ ሚካኤል ድማ ''ዎ ገብርኣምላኽ ናይ ምድሪ መንግስቲ መናኒ ካብ ሃብቲ ድኽነት። ዝሓረኻ አብ ኪንዲ መንግስቲ ምድሪ ዝመነንካ መንግስቲ ሰማይ ተዳሊልካ አሎ፤ ግና ቅሩብ ኪሳብ ሓጋዚ ዝሰደልካ ተዓገስ በሎም፤ ቀልጢፎም ክድይቡ ሓሰቡ ስለ ዝነበሮም ኃዘኑ በዚ ነገር እዚ ኪበኽዩ ከለዉ ቕዱስ ሚካኤል እቲ ኩሉ ጊዜ ከም አቦ ዝናዝዞም መጺኡ አይትፍራህ ስልጣን ተዋሂቡካ አሎ ቅሩብ አዕርፍ፤ አብዛ ብዓቲ እዚአ እግዚአብሔር ቅሞቱ 60 እመት ዝኾነ ዓቢይ ተመን አብ ክንዲ ገመድ ክፍነወልካ እዩ እሞ ከደይበካ እዩ በሎም፤ ክልተ ሱባዔ ብጾምን ጸሎትን ምስ ጸንሑ አብ ሰዓት ሰለስተ ናይ መዓልቲ እቲ ተመን መጺኦም። ጭራኻ ናብዚ በልዎ እቲ ተመን ከአ ብቃንቃ ደቂ ሰባት እንታይ ርኢኹም ኢኹም ናብ እዛ ደብሪ( ጎቦ ) ክትድይብ እቲደሊ።
ዝብላዕ፡ ዝስተ ወይ እተጽልለሉ ኦም የለቦን ብዘይካ አዕዋፍ በሎም፤ አብነ አረጋዊ ግን ከምቲ ''አእላፍ ወርቂን ብሩሩን ሲ ሕጊ አፍካ እሕሽኒ ዝተባህለ አብ መዝ.119፡72'' ነቲ ተመን እቲ ዝተአዘዝካ ግበር እግዚአብሔር ካብ ድላየይ አይክልአንን እዩ በልዎ ጭርኡ ሰደደሎም ቅዱስ ሚካኤል ከአ ምእንቲ ከየፍርሖም ብሸነኽ የማን ነበረ፤ አብነ አረጋዊ ዝባን እታ ደብሪ ምስ በጽሑ ገጾም ብትእምርተ መስቀል ዓቲቦም ሰለስተ ጊዜ ብምስጋድል ሉያ ለአብ። ሃለ ሉያ ለወልድ። ሃለ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ(ማለት ምስጋና ንአብ። ምስጋና ንወልድ። ምስጋና ንምንፈስቅዱስ) በሉ፤ በዚ ከአ ''ደብረ ሃሌ ሉያ'' ተባህለት አብነ አረጋዊ ዝደየብሉ ብ12 ጥቅምቲ ብበዓል ቕዱስ ሚካኤል እዩ፤ አብነ አረጋዊ አብ ታሕቲ ከለዉ ምሉእ ህብስቲ ዝዉድኡ ዝነበሩ አብ ላዕሊ ምስ ወጹ ፍርቂ ህብስቲ ጥራይ በሊዖም ጸገቡ እሞ በሞሳል እታ ፍርቂ ህብስቲ አብ ኦም ቀሪጾም ክሳብ ሕጂ ትእምርቲ ትርከብ ንድሓር አብነ አረጋዊ ህብስቲ ምድራዊ ዘይኮነ ካብ ሰማይ ዝወረደ ህብስቲ እናተመገቡ ብዙሓት አመንቲን መነኮሳትን አፍረዩ፤ ክሳብ 600 መነኮሳት ከምዝነበሩ ይዝንቶ፤ ድህሪ ብዙሕ ጸሎትን ተጋድሎን ጎይታን አምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ፍርቂ ለይቲ ተራእዮም እሞ ከምዚ በሎም፤ ጸሎትካ ሰሚዐዮ አለኹ ካብዚ ከፍልሰካ(ከግዕዘካ) ካብ ድኻም ናብ ዕረፍቲ። ካብ ኃዘን ናብ ሓጎስ ካብ ሓሳር ናብ ክብሪ ከእትወካ እየ፤ ነዚ ኃላፊ ዓለም መኒንካ ኢኻ ኢሞ ዘይሓልፎ ምንግስቲ ከዉርሰካ እየ፤ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ዘይሰምዓቶ ከምኡ ዉን አብ ክንዲ ሃገርካ ዝመነንካ። ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ከዉርሰካ እየ፤ ቤትካ ስለዝመነንካ ዘይሓልፍ አብያት ከውርሰካ። ቅዱስ ጳዉሎስ ዝተዛረቦ ተስፋ አቦና ገና ብሂወት እንከሎዉ ተነግሮም ''አምላክ ነቶም ዚአምንዎ አይኒ ዘይረአየቶ እዚኒ ዉን ዘሰመአቶ ሊቢ ዘይሓሰበቶ አዳሊሎም አሎ'' ዝኽርኻ ዝዘከረ ብጾሎትካ ዝተማህጸነ መጽሓፍ ገድልኻ ብእምነት ዝጸሓፈን ዝቶርጎመን አነ አብ መጽሓፍ ሕይወት ስሙ ክጽሕፎ እየ። ብስምካ ጥሙይ ዘጽገበ ንጽሙእ ዘስተየ። ቤተ ክርስትያንካ ዝሃነጸ፡ ከጽግቦ፤ አብያተ ብርሃን ከውርሶ እየ፡ ዝብል ቓል ኪዳን ''ምስ ሕሩያነይ ኪዳን አተኹ፤'' መዝ. 89፡4 ከም ዝተባህለ ምስ አቦና አብነ አረጋዊዉን አተወሎም አቡነ አርጋዊ ንኹሎም አርድእቶም ጸዊዖም እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ከምዝአተወሎም ዝኽሮም ስሞም ንዉሉድ ወሎዶ ክሳብ ህልፈት ዓለም ከምዝጸንሕ ድህሪ ሕጂ ብስጋ አይክትርእዩንን ኢኹም፡ ብምባል ብዙሕ ናይ ምጽንናዕ ቃላት ብምሃብ ንማትያስ እገድፈልኩም አሎኹ ኢሎም ናብ ባዓቶም ድሕሪ ምምላስ ናብ ንቡር ጸሎቶም ምጽላይ አድሃቡ፤ ማትያስ ንግሆ ምስ ረአዮም ሰዓት 9፡00 ረፍዲ ምልስ እንተ በለ ብዘይካ መስቀሎምን መቖምያኦምን አይረኸቡን እግዚአብሔር ሰዊርዎም፤ ከም ሄኖክ መሪጽዎም ከም ኤልያስ ብክብሪ ብሰረገላ ፈረስ ናብ ሰማይ ሰዊርዎም ከም የዉሓንስ አነ ክሳብ ዝመጽእ አይክትሞቱን እኹም ንዝብል ቃ ወንገል ኪምረጺ በቒኦም[ ዘፍ.5፡24 2 ነገ.2፡11 የሓ.21.23] 

በረኸት አቦና አቡነ አረጋዊ ምስ ኩላትና ይኩን።
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላክ አበዊነ።

No comments:

Post a Comment