-->

Friday, August 16, 2013

ትጽዋዕ አለኻ!

ትጽዋዕ አለኻ
እግዚኦ በል አድምጽ ብዓውታ
ብርሃን ክዉልዕ ዘለካዮ ከዉታ
ልብኻ ቅደድ ክሕጎስ ጎይታ
ሓዘንካ ክልወጥ ክኸዉን እልልታ (2)

እስከ ተመልከት አስተዉዕል እዋኑ
ፍቅሪ ዛሕቲሉ ሕዉነት ማህሚኑ
ሓሶት ቀኒዑ ሓቂ ደኒኑ
ሓጥአት በዚሑ ጽድቂ ተሳኢኑ (2)

ጉብዚናኻ ከይሓረረ ጠምት ንድሕረኻ
ተመልከት ንኩሉ አበይ ከም ዘለኻ
ቅንዕና ደአ ሓዝ መንገዲ ፈጣሪኻ
ድሓር ከይትአቱ አብ ዘይድሊ ማሕለኻ (2)

ብገንዘብ ብስልጣን ብፍትወት ብስጋ
ልብኻ አይሰበር አይትኹን ላንጋላንጋ
ብቅጽበት አለልዮ ንዝመጽእ ሓደጋ
ህይወትካ አይተእቱ አብ ዋጋ ዕዳጋ (2)

ወጊድ በሎ ዓደይ ዓድኻ
ደጊም ግደፎ ሩባይ ሩባኻ
ደረት አይተፍርስ ርስቲ አቦታትኻ
መቦቆል ሰረትካ ክርስቶስ አምላኽካ (2)

ጻዕርኻ  ኩሉ ንቱ ከይከዉን
ባዶነትካ ክመልእ ብጥበብ ክስስን
ንአምላኽ  ጸዉዕ ብጾምን ጸሎትን
እንተ ደንጎየ ዉን ከም ቀደምካ ደአኩን (2)

ጉያ ሙሴ ኤልያስ ኩሎም ነብያት
ዕላማ  ኣቦታትካ ዉፍያት ሃዋርያት
ሕድሮም ፍለጦ ተቃለሶ ብጽንዓት
ሓዞ መንገዶም ክህልወካ ትብዓት

ትጽዋዕ ኣለኻ ንመንግስተ ሰማያት (2)

ወስብሃት ለእግዝኣብሔር
        ወለወላዲቱ ድንግል
                                     ወለመስቀሉ ክቡር
                                         ኣሜን!!!
                                    ዳዊት ኣፈወርቂ
                                          ኦስሎ, ኖርወይ

No comments:

Post a Comment