-->

Friday, August 16, 2013

ድንግል ወላዲትና!

ድንግል ወላዲትና

ድንግል ወላዲትና አብ እምነትና አጽንዕና
በረኸት ክንረክብ አብቲ ሰናይ ጉዕዞና
በማላድነትኪ ተራዳእነትኪ ንልምነኪ አሎና
ቃልኪዳን  ናይ ወድኪ ምሕረት ንዓና(2)

ለውሃት ዝመልአኪ ናይ ሰላም ርግቢት አዴና
ፍቅራዊት መርከብ ሕብስተ ናይ መና
አብ ስደትና ብጽሕና በዓምደ ደመና
ክንፍወስ ብቅድስናኪ ከምቶም  ቅዱሳን አቦታትና (2)

እምነትኪ ጽኑዕ እዩ ሓረግ ናይ ፍቅርኪ
ምስ ወድኺ ሓልዮት ዝመልአኪ
ንዝለመነኪ ብእምነት ደኒኑ አብ ቅድሜኺ
አይትሕፍርዮን ኢኺ አዴና መስተንክር እዪ ስራሕኪ(2)

ንሕናስ ክንጽውዓኪ ምስ ወድኺ ብድኹም ሕልና
ንስኪ ትመጽና ብቅልጡፍ ትረድእና
ስለ ዝኮንኪ ንጽህቲ መስቀል ዝውዕለታ
ሓግዝና ወላዲትና ክንበጽሕ አብቲ ወይኒ ቦታ(2)


ሕጂ`ዉን ድንግል ወላዲትና ጠምቲ  ደንግጺ  ናባና
ምእንታን ክመጹ ኩሎም መላእኽቲ ክረድኡና ንዓና
ድንግል ስለ ዝኮንኪ መሎኮታዊት ናይ ባህሪ አዴና
ምሕረት ናይ ወድኺ እዩ ሰላማዊ መርከብና(2)

ስለዚ ፍቁራት አሕዋተይ አሓተይ ናይ ድንግል ደቃ
ንመለስ ነስተንንትኖ ታአምራት  ናይ ጎይታና ወላዲትና
ብቅጽበት ንመለስ ካብ ናይ ጥፍአት ናይ ደማስ ቦታ
ንፍለጦ እቲ ግዜ ንዉጻእ ካብ ሞት ክንድሕን ብጎይታ(2)

ወስብሓት ለእግዝአቢሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!!!
ዳዊት ኣፈወርቂ
ኦስሎ, ኖርወይ





No comments:

Post a Comment