-->

Friday, August 16, 2013

ገድለ ጴጥሮስ ሓዋርያ!

ገድለ ጴጥሮስ ሓዋርያ

1. ቅዱስ ጴጥሮስ ለይትን ምዓልትን ምእመናን እንዳ ኣስተምሃረ ንእግዚኣብሔር እንዳመስገነ ኣብ ሮምያ ክቕመጥ እንከሎ አሕዛብ ናብ ዘለዎ እናመጹ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይአምኑ ነበሩ። ፅንዓት ሃይማኖቶም ምስ ረአየ ከአ አቡኡን አዲኡን ሰበይቱን ደቁን ዘይኃደገ ነአይ አይበቅዕን እዩ ኢሉ ከስተምህር ከሎ ዝሰምዓ 4 አንስቲ ዝነበረን ሥጋዊ ተግባረን ገዲፈን ምስ ሰዓቦኦ ብኻልእ ነገር ዝፈልጠን ዝነበረ አክርጶስ( ናይታ ሃገር መኮነን) ክምለሳኦ ልኡኻት ሰደደለን (ለአኸለን) እንተኾነ ዕርፊ ኂዙ ንድኅሪት ዝሓርስ የልቦን ዚብል ቃል ወንጌል ኂዘን ንድኅሪት ግልጽ ከይበላ፡ ደድኅሪ እግሪ ጴጥሮስ ስለዝሰጎማ እቲ መኮንን እኩይ ድሌቱ ካብ ምፍጻም ኢዱ አጣቂዑ ተረፈ።

2. ከምኡ እዉን ቃል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝማረኸን ሰበይቲ ዓርኩ ንአክርጶስ(ሰበይቲ አልታብዮስ) ንስብአያ ኅዲጋ ብእምነት ኢየሱስ ናዝራዊ ንጴጥሮስ ሰዓበቶ። ሰብአያ ድማ ሰበይቱ ከምዝጠለመቶ ስለዝሰምዓ፡ ሎምስ ከአ ሰበይቲ ካብ ሰብአያ ዝፈላሊ ሰብ መጺኡና ወይጉድ፡ ሎምስ ከአ ሰበይቲ ካብ ሰብአያ ዝፈልዩ አለዉ ክብሉ ንሰምዕ ኔርና ሕጂ ከአ ናብ ነፍስና በጺሑ እንዳበለ ናብ ገዛእ ሃገር ከይዱ ምስዚ ጴጥሮስ ዝበሃል ክርስቲያናዊ ዳንየኒ፡ እንተድአ ዘዳነኻኒ ግን ባዕለይ ክፈርድ እየ ዝብል ጥርዓን ኣቕረበሉ።

3. አከርጶስ ድማ እዚ ሕማም እዝስ ናብ በይንኻ ጥራይ ዘይኮነ ነዓና እዉን ከይተረፈ ካብ ድሌትትና ፈላልዩና አሎ በሎ፡፡ አልታብዮስ ከአ እንታይ ደአ ትጽበየሉ አሎኻ ኂዝካ ክትቀትሎ እንድዩ ዝግብአካ እዚ ሰብ እዚ እዃ መሠርዩ እዩ። እንተ ደአ ቀልጢፍካ ከምዚ እንብሎ ዘሎና ጌርና እሞ አንስትና ክነምልስ ንክእል ኢና። ድሎትና ክንገብር እዉን ሥልጣን አሎና በሎግን ። እዚ ነገር እዚ ድማ ናብ አክስትያና (ሰብይቲ አቤት ብሃሊ) ስለዝብጽሐ ናብ ቅዱስ ጵጥሮስ ልኢኻ ሎሚምሸት ካብዛ ዓዲ ግዒዝካ እንተዘይ ኅዲርካ ተሓሲቡካ ዘሎ ናብ ጸላኢኻ ይዐል ኢላ ለአኸትሉ።2ቆረ.11፡32

4. ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነገራ ተቐቢሉ መታን ብኽዳኑ ከይፈልጡዎ ነቲ ተኸዲኑዎ ዝነበረ ክዳዉንቲ አዉጺኡ መጠምጠሚኡ ከይተረፈ ለዊጡ ካብቲ ዓዲ ከወጽእ ከሊ ከሎ ጐይታ በቲ ጴጥሮስ ዝፈልጦ መልክዑ ተራእይዎ፡ ናበይ ደአ ትኸይድ አሎኻ? ኢሉ ጴጥሮስ ንጐይታ ስለ ዝተወሶ ጐይታ ክስቀል ንሮምያ ገጸይ እኸይድ አሎኹ በሎ። ጴጥሮስ ከአ ትስቀልኑ ዳግመ እግዚእየ ጐይታይ ካለይዶ ክትስቀል ደሊኻ? በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ጐይታ ኪዓርግ ከሎ ንስኻ ግዳ ሰዓበኒ ኢሉዎ ዝነበረ ትዝ ስለዝበሎ፡ ንሮማ ተመሊሱ እቲ ኩሉ ዝግአጠሞ ነገራት ንፈተውቱ ገለጸሎም። ዮሓ.21፡18-22 ተመል.።

5. እቶም ምእመናን ድማ ክፈለየና ጊዲ እዩ ኢሎም ስለ ዝሠግኡ ንሱ ቃል ሃይማኖት እንዳመሃሮም ምስኦም ክቕመጥ ብዙኅ ለመንዎ። ንሱ ግን ብሕይወት እንተጸንሔ ፍቓዱ እዩ፡ ብሞት እንተወሰደኒ ከአ ምስኡ ንምንባር ስለ ዝኾነስ ደስ እዩ ዝብለኒ በሎም። አብ መንጉኡ አክርጶስ ወታሓደራቱ ልኢኹ፡ ንጴጥሮስ ከምጽእሉ አዘዘ። ምስ አምጽእሉ ድማ እቶም ሰዓብቲ ጵጥሮስ ምንተ እኩየ ገብረ ዝብእሲ እዚ ሰብ እዚ እንታይካ ክፍአት ገበረ? ካብ አፉኽ እንታይ ሕማቕ ቃል ወጸቶ እስኪ ንገረና እንትደአ ዘይነጊርካና ቅድሚ ንስኻ ንጴጥሮስ ምቕታልካ ነዛ ዓዲ እዚአ ብሓዊ ከነንድዳ ኢና፡ እንዳበሉ ንአክርጶስ ዓይኑ ከንቁሩዎ ደለዩ።
6. ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነቶም ሰዓብቱ ትብዓቶምን ፅንዓት ሃይማኖቶምን ርእዩ እዚ ዚስዕብ ቃል ማዕዳን ኣስምዖም። ዝመሃርኩኹም ኮነ እግዚኣብሔር ብኢደይ ዚገበሮ ተኣም ራትን ሕማማት ክርስቶስን ዘክሩ አትረስዑ።ንኩሉ ከከም ግብሩ ንጻድቃን ክኸፍሎም፡ ንኅጥአን ድማ ክፈዲዮም ክመጽእ ከምዝኾነ እመኑ፡ አይትጠራጠሩ በሎም። ብዛዕባ ናይ አከርጳስ ተግባር ድማ አይትገደሱሉ ምኽንያቱ ናይ አቡኡ ሰይጣን ልኡኽ ስለዝኾነ ሥርሑ እዩ ዝፈፀመ። ዮሓ.8:44
በዚ ምኽንያት እዚ ናባይ (አብ ልዕለይ) ክፍጽም ዝተመደበ ዘበለ ነገር ኩሉ ክይተፈጸመ ስለ ዘተርፍ፡ ናብ መስቀል ምድይብ ዝህከዮ ነገር የብለይን እንዳ በለ ረቂቕ ምሥጢር ዝሓዘለ መፈክር እንዳ አስምዓ ነቶም ክሳብ ዕለት ሞቱ ዝሰዕብዎ ዝነበሩ ምእመናን ብናይ ክርስቶስ ኢምነት ፀኒዖም ክነብሩ ክጋደሉን ምዒዱ ክፋነዋም ከሎ ናሁ ዛቲ ሰዓት ተፈጸሜታ ለሕይወትየ።

7. እንሆ እዛ ሰዓት እዚአ ናይ ሕይወተይ መወዳእታኣ እያ እሞ ንክርስቶስ እትፈልጡዎ ዘበልኩም ኹልኹም አዒንትኹም ካብ ኩፉእ ክትመልሱ ሓደራ እብለኩም አሎኹ ኢሉ ገጹ ካብቶም ምእመናን ናብቶም ዓቀይቶት(ወተሓደራት) ምልስ አቢሉ፡ ከምታ ዝተአዘዝኩምዋ ፈጽሙ። አነ ድማ ብምርጫይ( ድሌተይ) ርእደይ ንታሕቲ እግረይ ንላዕሊ ጌርኩም ክትሰቕሉኒ አመልክተልኩም አሎኹ በሎም።2ጴጥ.1፡14

8. ንሳቶም ከአ ከምታ ብድሌቱ ዝተማሕጸኖም ማለት ርእሱ ንታሕቲ እግሩ ንላዕሊ ጌሮም ንቁልቁል ሰቐልዎ። ንፍሱ ከአ ካብ ሥጋኡ ተፈልየት፡ እዚ ስቅለት እዚ ድማ ብስቕለት ምስ ጐይታኡ ከይመዓራረ ኢሉ ዝመረፆ ትሕትና ከም ዝኾነ ዘየጠራጥር እዩ። መዓልቱ ዕረፍቱ አብ ላዕሊ ከምዝተጠቅሰ ሓምሌ 5/61 ዓ.ም. እዩ። ጽሓፈ ኡሉቃስ ስንክሳር 22 ጥቅምቲ ተመልከት።

በረኸት ቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ኩሉና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። አሜን።
..............
"እንሆ እዛ ሰዓት እዚአ ናይ ሕይወተይ መወዳእታ ስለ ዝኾነት፡ አብ መስቀል ምድያብ አይክህከን ኢየ።"ሰላም ለጴጥሮስ ወለ ጰዉሎስ ሱታፍ።
እም ሥራሕ ኩቡድ እለ አዕረፈ።
አልባሰ መንግሥት ሠናየ እንዘ ይትዐፀፍ።
ኅበ ተርኅወ ገነት ወኅበ ዕፍረታት ተነጽፈ።
ቅድመ አሕቲ ወለት ኅቡረ ኃለፍ።
ሰላም ለከ ለጴጥሮስ ተልሚድ።
ዘኢያቅበፀከ ተስፋ ነገር ኑፉቄ ወካሕድ።
እንዘ ትረዉፅ ጥቡዐ ለመልእክተ ክርስቶስ ወልድ።
አመ ለሊከ ወሬዛ ትቀንት በእድ።
ወአመ ልኅመ ልኅቀ አቅነተክ ባዕድ። ዮሓ.21፡18 (ሰንክሳር 5 ሓምሌ ተመልከት)

No comments:

Post a Comment