Saturday, July 13, 2013
7 ሐምለ፡ዓመታዊ በዓል ቅድስት ሥላሴ!
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
'ተሰኣሎ ለኣቡከ ይነግረከ ወለሊቃዊንቲከ ይዜንውከ'
ሊቀነብያት ቅዱስ ሙሴ ኣብ መጻሕፍቱ ኣቀሚጥዎ ካብ ዝርከብ ህያው ቃል እዩ።ዘይትፈልጦ ንሊቃውቲ ቤተክስቲያን ምሕታት ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ምንጪ ዘይትፈልጦ ምስጢር ንኽትፈልጥ ዝሕግዘካ ጥበብን መንገዲ ቅድስናን እዩ። ምኽንያቱ ምስጢር ናይእግዚኣብሔር ብዜይካ እቶም ኣምላኽ ዝገለጸሎምን ወይ ውን ካብቶም ኣምላኽዝገለጸሎም ተማሂርካ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ መንገዲ ክብጻሕን ክምርመረን ከምዘይክእል ኩሉ ዝፈልጦ ሐቂ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ናብ ሰብቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል ከምኡ ውን መንፈስ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ነቲ ኣብ ኣምላክ ዘሎ ዝፈልጦ የልቦን 1ይቆሮ 2፡11። ስለዚ እዮም ድማ ኣይሁዳውያን ክርስቶስ ምእንቲ ፍቅሪ ደቂሰባት ክብል ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ንቅዱሳት መጽሕፍቲ ዋላኳ እንተኣንበብዎ ግን ብግቡእ ናብ ሕይወት ተመሪሖም ክበጽሕሉ ዘይከኣሉ፡ክርስቶስ ውን ከምዚ ክብል ዝነቀፎም ንስኻትኩም’ሲ ሂወት ካብኣተን ትረኽቡ መስሊኩም ለይትን መዓልትን ትምርምርወን ኣለኹም ንሳተንሲ ኩላቶም ብዛዕባይ እየን ዝመስከራ።

ኣቡነ ዘበሰማያት
ኣቡነ ዘበሰማያት
ማቴ 6፡9
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ መንግስትኻ ትምጻእ ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ዝኾነ ከማኡ ኣብ ምድሪ ይኹን።
ናይ ዕለት እንጀራና ሎሚ ሀበና፡ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም እንሓድግ በደልናን ጌጋናን ሕደገልና።
ኦ ጎይታ ካብ ኩሉ ክፋእ ኣድሕነና ናብ ፈተና ኣይትእትወና።
መንግሥትን ሓይልን ክብርን ምስጋናን ንዘለኣለም ናትካ እዩሞ ኣሜን።
ኦ አግዝእትየ ማርያም
ሉቃስ 1፡28-48
ኦ ኣዴና ቕድስት ድንግል ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም ንብለኪ ኣሎና።
ብሓሳብኪ ድንግል ኢኺ ብስጋኺዉን ድንግል ኢኺ።
ኣደ እግዝኣብሔር ጸባዖት ሰላምታ ይግባኣኪ እዩ።
ንስኺ ብፍላይ ካብ ኩለን ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ ፍረ ከርስኺዉን ቡሩኽ እዩ።
ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፡ ደስ ይበልኪ
ካብ ጎይታናን ካብ መድሓኒናን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ይቕረታን ምሕረትን ለምንልና።
ሐጢኣትና ምእንቲ ክስርየልና ንዘለኣለም ኣሜን።
ታሪኽ አቡነ አረጋዊ!
ታሪኽ አቡነ አረጋዊ

ኣቡነ አረጋዊ ዘሚካኤል ተባሂሎም ይጽዉዑ ኔሮም ኢዮም፤ አብ ንእስነቶም ምንኩስንኦም አብ ኩሉ ሃገር ምስተሰምዐ ካብ ቁስጥንጥንያ። ሮም አባ ሊቃኖስ። ካብ ቄሳያ አባ ይምኣታ። ካብ ኣንጾኪያ ሶርያ አባ ጽሕማ። ካብ ቂልቂልያ አባ ጉባ። ካብ እስያ አባ አፍጼ። ካብ ሮምያ አባ ጲንጤሌዎን። ቂሳርያ አባ አሌፍ። ናብ አባ ጳኩሚስን አቡነ አረጋዊን ዘለውዎ ገዳም ምንኩስና ኪቅበሉ መጹ፣ ከመይ ገርኩም ትኪእልዎ እንተበልዎም ካብ ቃል እዚ ህጻን እዚ ዓቢ መምህር ኮይኑና አሎ ብጸሎትካ ዉን ኪንክእሎ ኢና ልክዕ ከመቲ ያዕ.5፡16 ''ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ'' ኢሉ ዝተዛረቦ ንዑኡይ ብምድጋም ኪንክእሎ ኢና ብምባልን ፍቃድ ብምሕታትን አልባስ ምንኩስና ለበሱ ተባረኹ ዜና አብነ አረጋዊ አብ ኩሉ ምስ ተሰምዐ አዲኦም ቅድስት እድና መጸት እሞ አዴኻ መጺአ አላ ክትሪአካ ትደሊ አላ በልዎም ጎይታ ዝበሎ ዶ አሰማዕዎን ኢኹም ማቴ. 12፡48-50 ''አዲኻን አሕዋትካን ይደልዩኻ አለዉ እንተበልዎ በዓል መን እዮም አሕዋተይ መን እያ አደይ ብዘይካ እቲ ፍቓድ እግዚአብሔር ዝገብር እንተዘይ ኮይኑ ክብል ከም ዝመለሰ ኢሎም መለስሎም'' ናይ አዲኦም አመጻጻ ግን፣ 'ስብ ብስጋኡ ረቢሁስ ብነፍሱ እንተ ተጎድአ እንታይ ይጠቅም' ንዝብል ናይ ጎይታ አስተምህሮ አብ ልባ ተሰኪማ አሰር ወዳ ኪትሲዕብ ከምዝመጸት መሊክተና ምስ ነገሮም ከይዶም ረክብዋ አብኡ መንኮሰት።
Thursday, July 11, 2013
Gitmi ግጥሚ! መን እዩ እቲ ብጹእ!!
መን እዩ እቲ ብጹእ!
Mezmur መዝሙር!
ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣመነ ሰብ፡ እሞ ዝሓፈረ፣ ወይ ሕይወቱ ንእግዚአብሔር ዘኽበረ እሞ ዝተሓድገ፣ ወይከኣ ንእግዚአብሔር ጸዊዑ መልሲ ዝሰኣነዶ፡ ርኢኹም ትፈልጡ፧
ጥበብ ኢያሱ ወዲ ሲራክ ምዕ ፪ ፡፲
Welcome! እንቛዕ ብሰላም መጻእኩም!
፩ ኣምላኽ ብዝኾኑ ብስም፥ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣመንና እንቛዕ ብሰላም ናብ'ዚ ቅድመ ገጽ መጻእኩም ንብል።ይትባረክ እግዚአብሔር ኣምላከ አበዊነ። |
Subscribe to:
Posts (Atom)