'ተሰኣሎ ለኣቡከ ይነግረከ ወለሊቃዊንቲከ ይዜንውከ'
ሊቀነብያት ቅዱስ ሙሴ ኣብ መጻሕፍቱ ኣቀሚጥዎ ካብ ዝርከብ ህያው ቃል እዩ።ዘይትፈልጦ ንሊቃውቲ ቤተክስቲያን ምሕታት ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ምንጪ ዘይትፈልጦ ምስጢር ንኽትፈልጥ ዝሕግዘካ ጥበብን መንገዲ ቅድስናን እዩ። ምኽንያቱ ምስጢር ናይእግዚኣብሔር ብዜይካ እቶም ኣምላኽ ዝገለጸሎምን ወይ ውን ካብቶም ኣምላኽዝገለጸሎም ተማሂርካ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ መንገዲ ክብጻሕን ክምርመረን ከምዘይክእል ኩሉ ዝፈልጦ ሐቂ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ናብ ሰብቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል ከምኡ ውን መንፈስ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ነቲ ኣብ ኣምላክ ዘሎ ዝፈልጦ የልቦን 1ይቆሮ 2፡11። ስለዚ እዮም ድማ ኣይሁዳውያን ክርስቶስ ምእንቲ ፍቅሪ ደቂሰባት ክብል ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ንቅዱሳት መጽሕፍቲ ዋላኳ እንተኣንበብዎ ግን ብግቡእ ናብ ሕይወት ተመሪሖም ክበጽሕሉ ዘይከኣሉ፡ክርስቶስ ውን ከምዚ ክብል ዝነቀፎም ንስኻትኩም’ሲ ሂወት ካብኣተን ትረኽቡ መስሊኩም ለይትን መዓልትን ትምርምርወን ኣለኹም ንሳተንሲ ኩላቶም ብዛዕባይ እየን ዝመስከራ።
እግዚኣብሔር ነቶም ዘፍቅሮምን ዝቐርብዎን ምስጢሩ ስለዘይውዳእ ዝተፈላለየምስጢር ካብ ምግላጽን ታኣምራት ካብ ምግባራን ኣቃሪጹ ኣይፈልጥን እዩ፡ ነዚኣመልኪቱ ጎይታ ብስጋ ማርያም ተገሊጹ ኣብ ዝመላለስሉን ዝምህረሉን ዝነበረግዜ ከምዚክብልዝተዛረበ። ኣቦይ ክሳብ ሕጂ ይዓይይ ኣሎ ኣነውን ይዓይይኣሎኹ። ነገር ግን ስራሕ ናይ እግዚኣብሔር ብዘይካ እቶም ኣምላኽ ዝገለጸሎም እንተዘይኮይኖም ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝርድእዎ እንዳወሓደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ነዚ ኣመልኪቱ ውን ጻድቅ ኣቦና ቅዱስ እዮብ ኣብ መጽሓፉ ከምዚ ዘበለ፡እግዚኣብሄር ብሓደን ብክልተን ይዛረብ ሰብ ግን ኣየስተውዕልን ዝበለ ኢዮ 33፡14።ደቂ ሰባት ናይዚ ሳዕቤን ዝኾኑሉ ምኽንያት ድማ፡ ካብ ፍቅሪ ኣምላኽን ድምጺኣምላኽን ርሒቆም፡ ካብ ሰማያዊ ሓሳብ ምድራዊ ሓሳብ፡ ካብ ንኣምላኽ ምኽባርናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ ኣዕዚዝካ ምድላይ እንዳበዝሐ ዝመጻሉ ዘሎ ግዜ ብምኻኑእዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ ውን ከምዚ ክብል ንናይ መንፈስ ወዱ ዝጸሕፈሉ፡ ኣብቲዳሕራይ ግዜ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ናይ ገዛእ ርእሶም ተድላዝደልዩ ክኾኑእዮም 1ይጢሞ 3፡4።
ሓደ ካብቶም ክንርእዮም ደሊና ዘለና እምበኣር ካብቶም ቤተክርስቲያና ብክብዝበለ ድምቀትን ብዓቢ ክብርን እተብዕሎ ብዛዕባ ኣብ 7 ሓምለ ዝኽበር በዓል እዩ።ቤተክርስቲያን ነዛ ባዓል ከትብዕሎ አንከላ መብገሲኣ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ስለዝኾነ ድማ ብዓቢ ክብሪ ዓመት መጸ ተኽብሮ ነዚ ክቡር ዝኾነ ናይ ስሉስ ቅዱስ ባዓል ክትገብር ከላ እትብገሰሊ ጥቅሲ ድማ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 18 ዘሎእዩ። ኣብዚ ምዕራፍ እንተተምልኪትና ኣቦና ኣብርሃም ብሃርሃረታ ቀትሪ ኣብኣፍደገ ድንካኑ ደው ኢሉ እንከሎ እግዚኣብሔር ተገልጸሉ እንሆ ቁሊሕ እንተበለድማ ሰለስተ ሰብኣይ ረኣየ። ዝኸብርኩም ኣንበብቲ ኣብቲ ቃል ብዝግባእምስንምልከት ንኣቦና ኣብርሃም ዘተገልጽሉ እግዚኣብሔር ምኻኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ብዘየማትእ ገሊጽዎ ዘሎ ጽሕፉን ሓቅን እዩ። ኩሉ ኣንባቢ መጽሓፍቅዱስ ከምዝርድኦ ድማ እግዚኣብሔር ዝብል ቃል ሰለስትነተን ሓድነትን ናይኣምላኽ ዝገልጽ ስም እዩ። ነገር ግን ነቢይ ሙሴ እቲ ዝተገልጸ ኣምላኽ ትርጉም ስሙን ሓድነቱን ሰለሥትነቱን ብዝግባእ ክገልጽን ከረድእን ስለዝደለየ ድማ እንሆቁሊሕ እንተበለ ሰልስተ ሰብኣይ ረኣየ ብምባል ኣስፊርዎ ንረኽቦ። ስለዚመጽሓፍቅዱስ ነቲ ዝተገልጸ እግዚኣብሔር ኣብርሃም ብምስሊ ሰለስተ ሰብኣይ ከምዝረኣዮ ኩሉ ኣንባቢ ከርድኦ ይግባእ።
ዝኸበርኩም ህዝበከርስትያን ኣምላኽ ንኣቦና ኣብርሃም ብዘይምኽንያት ኣይኮነንብሰለስትነት ዝተገልጽሉ፡ ምኽንያቱ ኣብ ዘጥረት12 ብሓድነት ተገሊጽሉ ኔሩ።ስለዚ ነዚ ጻድቅ ኣቦ ብዝያዳ ሓቀኛ ሰለስትነቱ ምስጢሩ ክገልጸሉን ከረድኦንስለዝደለየ እዩ ብኣምሳል ሰለስተ ሰብኣይ ዝተገልጸሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ውንኩላቶም ናብ ፍልጠት ሓቂ ክመጹ ይጽበዮም ኣሎ እምበር ንምጽኣቱስ ኣየደንግዮንእዩ ብምባል ገሊጽዎ እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብኣምሳል ሰለስትነት ዝተገልጸሉድማ ኣብ ብሉይ ኪዳን ነቲ በዘይካ ካብ ሓደ ንላዕሊ ሙኻኑ ድኣንበር ሰለስተኣካል ሙኻኖም ዘይፍለጥ ዝነበረ ሓድነትን ሰለስትነትን ናይ ሥላሴ፡ ነዚ ጻድቅልቡ ብፍቅሪ ኣምላኽ ዝመልአ፡ ከምኡ ውን ኣቦ ብዙሓትን መራሒ ናይ እምነትንስለዝኾነ ኩላቶም ህዝቢ እግዚኣብሔርን ናይ ስጋን መንፈስን ውሉዱ፡ ናቱ እምነትተኸቲሎም ንክኸዱ ናይ ሰለሰትነቱን ሓድነቱን ምስጢሩ ዝገለጸሉ።
እቲ ዘገርም ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብሰለስተ ስብኣይ ጥራይ ኢሉ ኣይኾነን ሓሊፍዎሓድነት ናይ እግዚአብሔር ውን ብዝግባእ ገሊጽዎ እዩ። ሓድነቶም ክገልጽ ድማነቶም ሰለስተ ሰብኡት ኣብክንዲ ጎይተቶይ ምባል፡ ኦ ጎይታይ ኣብ ቅድሜኻ መጎስእንተረኺበ፡ ፍልልይ ናይ ጎይቶተይን ጎይታይን ኩሉ ኣንባቢ ዝርድኦ ይመስለኒ፡ብቐጥታ ቀጺሉ ድማ ኣብክንዲ ከምጽኣልካ ምባል ከምጽኣልኩም እንዳበለ ብዘገርምሓረግ ኣሰራርዓ ግሲ ሰለስትነትን ሓድነተን ናይ ኣምላኽ ቃላት እንዳቀያየረ ንሓደብዘስምዕን ካብ ክልተ ቁጽሪ ንላዕሊ ዘለዎ ብዘስምዕን ገሊጽዎ ንረኽቦ። ሓደ ሰብትግርኛ ኣንቢቡ ንዝኽእልን ብቅንዕና ልቡ ኣንጺሁ ክርዳእ ንዝደሊ ምቅይያራት ናይቃላት ንምርድኡ ቀሊልን ዘየማትእን እዩ፡ ኣምላኽ ነቶም ልቦም ኣንጺሆም ክርድኡንዝደሉዩ ድማ ኣዝዩ ግሉጽ ምኻኑ ርዱእ እዩ፡ ነገር ግን ከምቲ ነብየ አግዚኣብሔር ኢሳይያስ ዝበሎ ንምስክርና መን ኣመኖ ኢሉ ዝተዛረበ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ሰባትመጽሓፍ ቅዱስ ንዝነግሮም ሓቂ ንኸይቅበልዎ ከምቲ ኣይሁዳውያን ጸሓፍቲፈርሳውያን ንምድራዊ ስልጣን ክብሉ ንፈጣሪኦም ዘይተቀበልዎ ሕጂውን ኣብዘመናኣብኮለል ዝርከቡ ውሑዳት ኣይኮኑን። ገለ ውን ከም ይሁዳ ከሓዲን ሸያጢኣምላኹን ኣብዚምድሪ ገዲፎሞ ንዝኸዱ ገንዘብ ብምትላል ናብ ሓቂ ንምብጻሕዓቀበት ዝኾኖምን ንኽይሰምዑ ኣእዛኖም ዘጽመሙ ሰባት ኣለው።
ተማሃራይ ከም መምህሩ እንተኾነ ይኣኽሎ፡ ዝብል ቃል ክርስቶስ ዝተዛረቦብምርሳዕ ምስ ምዕራባውያ ብምትሕብባር እምነቶምን ማዕተቦምን ዝሸጡንክርስቶስ ዳግማይ ኣብ ምስቃል ዝርከቡ ውሑዳት ኣይኮኑን፡ ካብዚ ንርድኦ ድማዋላካ ብቴክኖሎጂ ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንተ ማዕበለት፡ ነግር ግን ኣብመጽሓፍ ቅዱስ’ሲ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግዜ ካብ ኣቦታትናብምንም ነገር ከምዘይንበልጽን ከምዘይንፈልጥን ክንርድኦ ይግብኣና። ስለዚ እዚቅድም ኢልና ዝጠቀስናዮ ጥቅሲ ብቅዱሳን ኣበው ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲቤተክርስቲያንን ኣቦታትናን እንታይ ይብሉ ንመልከት። ኣብ መጽሓፈ ስንክሳር (7)ሓምለ ገጽ ( 861 ) ቁጽሪ ( 25 ) ከምዚ ይብል፥ ወበዛቲ ዕለት ይብሉ መምህራነቤተክርስቲያን ከመ በዛቲ ዕለት ቦኡ ሥሉስ ቅዱስ ውስተ ቤተ ኣብርሃም ወተሴሰዩማእደ ወኣይድእዎ በእንተ ልደተ ይስሐቅ ወእምዝ ከሰቱ ሎቱ በእንተ ሙስናሆሙ ለሰዶም ወገሞራ ኣብርሃምኒ ነሥአ በረከተ እምኀበ እግዚኣብሔር፡ወለነኒ ሕዝበክርስቲያን ይብጽሐነ ሣህሉ ወምሕረቱ ለዓለመ ዓለም ኣሜን። ትርጉም ፡-መምህራን ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ይብሉ በዚ ዕለት እዚ ሥላሴ ኣብ ቤት ኣቦናኣብርሃም ኣትዮም ተኣንጊዶም ብዛዕባ ናይ ይስሃቅ ልደት ድማ ኣበሰርዎ( ነገርዎ )ከምኡ’ውን ብዛዕባ ጥፍኣት ሰዶምን ገሞራን ገለጽሉ ኣብርሃም ድማብእግዚኣብሔር ተባረኸ ንዅልና ህዝቢ ክርስቲያን ድማ ምሕረቱን በረኸቱንይብጽሓና ኣሜን ።እዚ ጥራይ ውን ኣይኮነን ኣብ መዝሙረ ዳዊት ተጻሒፉ ካብንረኽቦ ኣብ ግዜ ሕማማት ካብ ዝበጸሕ መልክእ ምስንምልከት ውን ከምዚ ይብል።ለንግስኩሙ ሰገደ ኣብርሃም በርእሱ ። ሃበ ገብርኩሙ እንዘ ትገይሱ ኣጋእዝትየዘትሴለሱ። ስብሃት ልክሙ ስሉስ ቅዱስ ዕሩያነ ኣካል ወገጽ። ዘአስትርአይክሙ እንበለ ሕጸጽ። ጊዜ ቀትር በታሕተ ዕጽ። ትርጉም ኣብርሃም ብርእሱ ንንግስነትኩምሰገደ ፡ብሰለስትነት ናብ ኣገልጋሊኹም ኣብ ዝኸድኩምሉ ግዜ ፡ ምስጋና ንዓኩምስላሴ ማዕረ ብኣካላትን ገጽን፡ ኣብ ትሕቲ ኦም ብግዜ ቀትሪ ብዜይ ጉድለትዝተገለጽኩም።
ሓንቲ ካብ ገዳማት ሃገርና ዝኾነት ገዳም እንዳ ብጹዕ ኣምላክ ውን ዕለት 26ታሕሳስ ስላሴ ንኣቡነ ብጹእ ኣምላክ ዝተገልጹሎም ኢላ ዓመት መጸ ብዓቢይክብሪ ትጽንብሎን ተኽብሮን ዝነበረትን ዘላን ኢያ እዚ መስክረለይ ዘየድልዮ ኣብቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ዘለና ህያው ምስክር ኢዩ ። ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ግን ሓቀኛዘይኮነን ኣምላኽ ዘይፈቀዶን ንኽንድዚ ክጸንሕ ከምዘይኽእል ኩሉ ዝርድኦ እዩ፡ ነዚኣምልኪዩቱ ውን መምህር ናይ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ብኣይሁዳውያን ውን ኣዝዩክቡር ተሰማዕን ዝነበረ ገማልያል፡ ኣይሁዳውያን ንሃውርያት ከጥፍእዎምኣብዝፈተንሉ ግዜ ካብ ሰብ እንተኾይኖም ክጠፍኡ እዮም ካብ ኣምላኽእንትኾይኖም ግን ምስ ኣምላኽ ክትበኣሱ ኣይትኸእሉን ኢኹም ኢሉ ዝመኸሮምግብ 5፡33-39። ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ .ዝብል ጽሑፍ ቃል እግዚኣብሄር ስለዘሎ ድማ ስላሴ ንኽብሪ እዞም ጻድቕ ኣቦ ዝተገልጽሉ ዕለት ዓመት ንዓመት ካብወለዶ ናብ ወለዶ እናተሳጋገረ ዝነብር ኢዩ ። ከምኡ’ውን ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታትናዝሓለፉን ብሕይወት ዘለዉን ብ7 ሓምለ ስላሴ ኣብ ቤት ኣቦና ኣብርሃም ተገሊጾምእናበሉ ዝምህርሉን ቤተ ክርስቲያና እውን እንተ ኾነ ትኣምነሉን ትቕበሎን ሓቂኢዩ ። ነዚ ሓቂ ከጥፍእ ኢሉ ዝሓስብ ግን እቲ መልሲ እግዚኣብሄር ብኣፍገማልያል ጌሩ መሊስዎ እዩ እሞ ካብ ዘረባ ደቂ ሰባትን ናይ ዘመና ፍላስፋታት ኢናበሃልትን ገዲፍና ድምጺ ኣምላኽ ክንሰምዕ ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና።
ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘሎና ፍቁራን ህዝበ ክርስቲያን ቃል ብርሃነ ዓለም ሓዋርያቅዱስ ጳውሎስ ኢዩ ።እግዚኣብሔር ልቢ ኣዴና ቅድስት ሊድያ ከም ዝኸፈተኣዕይንተ ልቦናና ይኽፈተልና። ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹምዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ ዕብ13፡7 ዝብል ኢዩ። እቲ መልእኽቲ ንጹር ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣቦታትናመምህራን ኣጽኒዕና ክንከይድ ከም ዘሎናን ኣሰር ኣሰር እምነቶም ክንስዕብን ከምዘሎና ኢዩ ብርሃነ ዓለም ሃዋርያ ጳውሎስ ምሂሩና ዘሎ። እሞ ‘ኸ ድኣ ፍቁራት እዚዝኣክል ለበዋን ንጹር መግለጽን ከሎና ስላሴ ኣብ ቤት ኣቦና ኣብርሃም ምእታውንሰለስትነቶም ምግላጾም ክንቃወምን ክንጣረጠርን ንኽእል ዲና ? እግዚኣብሔርዝመሃረና ቅዱሳኑ ዘመሓላለፉልና እዚ ሂወትን በርኸትን ዝህብ ሓዲግና ኣብዘይጠቅም እምነቶም ኣጥፊኦም ከይኣኽሎም ኣቦታቶም ዘጥረይዎኣብያተክርስቲያናት ኣብ ምሻጥ ዝርከቡ ዘለዉ ዕራባውያን ምስኦም ከምዘይንስዕብፍሉጥ ኢዩ። ካብ ተቓውሞን ክትዕን ዘለዎ ህይወት የርሕቐና እቲ ምንታይሲህይወት ስለ ዘይህብ፡ ስለዚ ኢዩ ውን ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንናይ መንፈስ ውዱጢሞቲዎስ ከምዚ ክብል ዝመዓዶ፡ 2 ጢሞ 2 ፡ 23 ባእሲ ከም ዘምጽእ ፈሊጥካኻብቲ ዓሻን ደንቆሮን ዝኾነ ኽትዕ ርሓቕ፡ ኩላቶም ኣቦታትና ዝምህርሉ ዝነበሩንካብ ወሎዶ ናብ ወሎዶ እናተሰጋገረ ነዚ ዘለናዮ ወሎዶ ከምዝበጽሕን ዓቢ ናይስላሴ ምስጢር ዘስተምህር መጽሓፍ ጌሮም ተጠቂሞምሉ ኢዮም። ካብተን ዓበይቲገዳማት ኤርትራ ውን ጻዕዳ እንባ እንዳስላሴ ከምዘሎ ክሳዕ ሕጂ ብዓቢ ክብሪግልጸት ስላሴ ኣብ ቤት ኣብርሃም እንዳተባህለ 7 ሓምለ ከም ዝኸብር ብወረዘይኮነ ብዓይንና መሰኻኽር ኢና።
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ ኣበዊነ።
No comments:
Post a Comment